TG Memorial

  • About Him
  • photos
  • videos
  • His Legacy

we will always remember you

“በኦሮሞ ኣጀንዳ ላይ የማነሳቸውን ጉዳዮች የስጋት ምንጭ ሊሆኑ የሚገባ ኣይመስለኝም ኣንድ ተራ ደራሲ ሰፊ ቁጥር ያለውን የኦሮሞና የኣማራ ህዝብ የማጋጨትም ሆነ የማፋቀር ብቃት ሊኖረው ኣይችልም። ብሁለቱ ህዝቦች መካከል ኣንድነት ከነበረና ካለ ዛሬም ሆነ ነገ ኣንድነቱ የትም ኣይሄድም። ካልነበሩና ከሌሉ ደግሞ መፍትሄው ኣንድነትን እንዲመጣ መስራት እንጂ በምኞት ብቻ ኣይገኝም። የኢትዮጵያ ኣንድነት በኣንድ ተራ ደራሲ የሚናጋ ከሆነ ከመነሻውም ኣንድነቱ ኣልነበረም ማለት ይሆናል። የኦሮሞ ህዝብ ፍላጎት “ነፃነት እና ሉኡላዊ ኣገር መሆን” ከሆነ ጊዜው ቢረዝምም በመጨረሻ ፍላጎቱን ያገኘዋል። ምክንያቱም ማፈን ድል ሲያደርግ ኣይተን ኣናውቅም።”–ከየጀሚላ እናት፥ የእሳት ዳር ወጎች

* “በጥቅሉ ሲመዘን የመጽሃፉ ይዘት መራር ነው። ግን ደግሞ ያልተጋነነ እውነት ነው። ‘እውነት ሁሉ መነገር ኣለበት’ ማለቴ ግን ኣይደለም። ብህዝቦች መካከል መቃቃርን የሚፈጥር፣ ለኣገር ግንባታ የማይበጅ ፣ ቂም ቀስቃሽ፣ በቀል ጠሪ እውነት ለዘልኣለሙ ተቀብሮ ቢቀር ይመረጣል። መራር ቢሆኖም ስህተቶች እንዳይደገሙ ሲባል ነገር፡ያለባቸው እውነቶች ኣሉ። ዋናው ጉዳይ ኣቀራረቡ ላይ መጠንቀቅ ነው። ስርኣትና  ህዝብ ለያይቶ ማየት ይገባል። ግለሰብን በዘሩ መፈረጅ ወይም ህዝብን በጅምላ መንቀፍ ምንጊዜም ስህተት ነው።”– ከጃንሆይና ደርግ ፥ ያልተነገሩ መራራ ታሪኮች

about him

ዝክረ ህይወት ደራሲ ተስፋዬ ገብርኣብ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን!

ኣብዛ ዓለም ምንባር፡ ናይ ኩሉ ዝተወልደ ሰብ ዕጫ እዩ።ምንባብ ናይ ዝበዛሕና፡ምዝንታው ናይ ዝወሓድና ምጽሓፍ ግና፡ ናይ ቁንጣሮ ሕሩያት ሰባት ውህበት’ዩ!

ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ፡ ብዙሓት ዝዋስኡ እኳ እንተኾኑ፡ ብጥዋፍ ክመሰሉ ዝኽእሉ፡ ዘገርም ጥበብ ዝተዓደሎም ሰባት፡ ካብ ሚልዮናት ኣዝዮም ውሑዳት፡ ብኣጻብዕ ዝቚጸሩ እዮም።

ገና ዕድመ ከይጸገበ፡ ዝያዳ ከፍሪ፡ ኩሉ እናሃረፎን እናተጸበዮን ሃንደበት ዝተፈልየና፡ ህቡብ ደራሲ ተስፋዬ ገብርኣብ፡ ሓደ ካብ ጥዋፋት ስነ-ጽሑፍ’ዩ ነይሩ። ዝድነቕ ሞያዊ ክእለቱን ኣበርክቶኡን ብኽብሪን ልዑል ኣድናቖትን እናዘከርና ድማ ንሰናበቶ ኣሎና።

ተስፋዬ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ከምዚ ኢሉ ነይሩ።

“ኩሉ ሰብ ዝምነዮ ነገር ዕድመን ጥዕናን ክወሃቦ’ዩ። ኣነ ሕጂ 50 ዓመት መሊአ ኣለኹ። ክሳብ 60 ዓመት ዝረግጽ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ክንደይ መጻሕፍቲ ክጽሕፍ’የ ኢለ ክሓሳብ ከለኹ፡ እቲ ዘለኒ ሓሳብን እቲ ዕድመን ኣይመጣጠንን እዩ።”

ተስፋዬ፡ ካልእሲ ይትረፍ፡ እታ ዝጠቐሳ 60 እውን ኣይበጽሓን። ገና ኣብ 53 ዕድመኡ ተቘጽዩ። ከይሰሳዕና ከምቲ ዝበሎ ክሳብ 60 ዕድመ እንተዝህቦ ነይሩ፡ ክንደይ ካብ ሽሻዩ ኮን ምተቛደስና?

ኣብ 1968፡ ካብ ኣቶ ገብርኣብ ሃብተጽዮንን ወይዘሮ መብራት ወልደማርያምን ኣብ ብሾፍቱ ኢትዮጵያ ዝተወልደ ውሩይ ደራሲ ተስፋዬ፡ ወለዱ ካብ ገዛ-ሕድሩ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰዱ ሓረስቶት እዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ መንጎ ብሄረሰብ ኦሮሞ፡ ብቋንቋን ባህሊን ኦሮሞ’ዩ ዓብዩ። ኣምሓርኛ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲን ዓለም መጻሕፍቲን ዝመለኾ ቋንቋ።

ተስፋዬ ኣብ ደብረ-ዘይት (ቤት ትምህርቲ ሕብረት) መባእታን ማእከላይ ደረጃ ትምህርቱ ቀሲሙ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ከኣ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ካልኣይ ደረጃ ደብረ-ዘይት ወዲኡ።

ሓደ ካብ ምርኡያት፡ ኣዝዮም ብሉጻት ደረስቲ ኣምሓርኛ ምዃኑ ዝተመስከረሉ ተስፋዬ ገብርኣብ፡ ገና ተማሃራይ ማእከላይ ደረጃ እንከሎ’ዩ፡ ልዑል ፍቕሪ ንባብን ስነ-ጽሑፍን

ዝሓደሮ። ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዝውድእ ከኣ፡ ብዙሕ መጻሕፍቲ ብምንባብ ንጥበብን ጽባቐን ስነ-ጽሑፍ ብዕምቈት ክርድኦ ዝኸኣለ በሊሕ ሰብ እዩ።

ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ዕድል ዘይረኸበ ተስፋዬ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ድሕሪ ምውድኡ፡ ብተበግሶኡ ሞያዊ ብቕዓቱ ዘዕቢ ሓያሎ ናይ ስነ-ጽሑፍ ስልጠናታት እናተኸታተለ፡ ምሩጽ ስነ-ጽሑፋዊ ስርሓት ብቋንቋ ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን እናንበበ፡ ንተውህቦኡ ዝያዳ ፍልጠትን ቅዲታትን ክድልበሉ ዝኸኣለ ክኢላ ስነ-ጥበበኛ እዩ።

“ብምንባብን ምስማዕን፡ ነቲ ዘንበብካዮን ዝሰማዕካዮን ብዕምቈት ብምስትምቓርን ምምርማርን፡ ክሳብ ክንደይ ፍልጠት ምቕሳም ከምዝከኣል፡ ኣነ ህያው ምስክር’የ” ይብል ተስፋዬ።

ተስፋዬ ኣንባባይ ጥራይ ዘይኮነ ንፉዕ ሰማዓይን ፈታው ታሪኽን እዩ ነይሩ። ሃዳኒ ዛንታታት፡ ብሂላትን ኣፈ-ታሪኽን ምዃኑ’ውን ፍርያቱ ይምስክር። ተዋዛዪ ባህርያቱ ከኣ፡ ኣብ ኩሉ ጽሑፋቱ የንጸባርቕ።

ተስፋዬ፡ ድርሰት ኣብ ንኡስ ዕድመኡ’ዩ ተተሓሒዝዎ። “ያልተመልሰው ባቡር” ከምኡ’ውን “የቢሾፍቱ ቆሪጦች” ብዘርእሰተን ቀዳሞት መጻሕፍቱ፡ ምስ ኣንበብቲ ዝተላለየ ተስፋዬ፡ ጋዜጠኛ ናይ ምዃን ክቱር ባህጊ ስለዝነበሮ፡ ቀቅድሚ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኢትዮጵያ (ማስታወቅያ ሚኒስተር) ስራሕ ክቑጸር ፈቲኑ ነይሩ። ንእሽቶን ጀማሪን ብምንባሩ ግን ቁሊሕ ዝበሎ ኣይረኸበን። ተስፋዬ ግን ካብ ድሌቱ ኣይበዀረን። ነቲ ሞያ ክብል ወተሃደር ክቚጸር ወሲኑ። በዚ ድማ፡ ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ኮይኑ፡ ኣብ ግጥማት ከባቢ ደብረታቦር (1990-1991) ሪፖርተር ኮይኑ ተሳቲፉ ነይሩ። ሰራዊት ደርግ ምስ ተሳዕረ ከኣ፡ ካብቲ ሰራዊት ተሪፉ፡ ምስ ተጋደልቲ ህወሓት ተጸንቢሩ፡ ንቕሩብ ኣዋርሕ ገድሊ ጥዒሙ እዩ።

ተስፋዬ ድሕሪ ውደቅት ስርዓት ደርግ፡ ኣብ 1991፡ በቲ ዝነበሮ ልዑል ናይ ስነ-ጽሑፍ ክእለት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኢትዮጵያ፡ ሓላፊ ፕረስ ኮይኑ ተመዲቡ፡ ንክልተ ዓመት ኣገልጊሉ። ብድሕሪኡ እውን፡ “እፎይታ” ናይ ዝተባህለ መጽሔትን ጋዜጣን ዋና ኣሰናዳኢ ኮይኑ ሰሪሑ። ተስፋዬ ጎኒ ጎኒ ናይ ጋዜጠኛ ስርሑ፡ መንግስቲ ብዝሃቦ መደብ ስራሕ፡ “ተራሮችን ያንቀጠቀጠ ትውልድ” (ኣኽራናት ዘንቀጥቀጠ ወለዶ) ዘርእሰተን ተኸታታልቲ ቅጺታት ኣሰናዲኡ ነይሩ።

ደራሲ ተስፋዬ፡ ድንቂ ተውህቦኡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዘንጸባረቐላ፡ ተፈላጥነቱ ዘዕረገላ፡ ካብ ኣንበብቲ ሓያል ግብረ-መልሲ ዝረኸበላ “የቡርቃ ዝምታ” (ስቕታ ቡርቃ) ዘርእስታ፡ ንወጽዓን ቃልሲን ህዝቢ ኦሮሞ እተንጸባርቕ ስርሑ እያ። በዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣብ ሕብረተሰብ ኦሮሞ ልዑል ናእዳ ኣትሪፉ’ዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ንሱን ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰን፡ ንሕብረተሰብ ኦሮሞ

ብዝገበርዎ ኣበርክቶ፡ ብመሰረት ባህሊ ሞጋሳ፡ ካብ ዓበይቲ ብሄረሰብ ኦሮሞ፡ “ገዳ” ዝብል ናይ ክብሪ ማዕርግን ባርኾትን ክቕበሉ በቒዖም።

ደፋር ደራሲ ተስፋዬ ገብርኣብ “የቡርቃ ዝምታ” ድሕሪ ምጽሓፉ ናእዳ ጥራይ ኣይኮነን ረኺቡ። እቲ ዝነበረ ታሪኻዊ ሓቂታት ከይሓብአ ብምትራኹ፡ ብዙሓት ዝተቓወምዎ ነይሮም እዮም። ኣብ ርእሲኡ ንኣክዪዳ ወያነ ዝቃወም መርገጺ ስለዝነበሮ፡ ካብታ ዝዓበየላ ሃገር ኢትዮጵያ ናብ ስደት ከምርሕ ተገዲዱ። ብኣገላልጻ ደራሲን ተማራማሪ ታሪኽን ኣለምስገድ ተስፋይ፦

“ተስፋዬ፡ ክኢላ ጸሓፊ ታሪኻዊ ልቢ-ወለድ ምዃኑ ዘረጋገጸት የቡርቃ ዝምታ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ትሕቲ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ኩነት ዘቃልዐት መጽሓፍ እያ። በዛ ስራሕ እዚኣ ተስፋዬ ንነብሱ ኣብ ቅድመ ግንባር’ዩ ሰሪዑዋ። ኣብ ቅድመ ግንባር ናይቲ ‘ኣየናይ ታሪኽ ይዕወት’ ዝሕቶኡ፡ ንሱር መሰረት ዓብላሊ ጽዋ ኢምብራጦርያዊት ኢትዮጵያ ዝቃወም ምንቅስቓስ።”

ተስፋዬ ገብርኣብ፡ የቡርቃ ዝምታ ብምጽሓፉ ብዘጋጠሞ ተጻብኦ ኣይተሰናበደን። ናብ ስደት ድሕሪ ምምርሑ፡ ኣብ ፖለቲካን ታሪኽን ዘድሃበ ስነ-ጽሑፋዊ ስራሕ ምፍራይ ዝያዳ ክደፍኣሉ’ዩ መሪጹ። ናብራ መስሪቱ፡ ህይወቱ ክመርሕ፡ መዕለቢ ዝኾኖ ቦታ ክረክብ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘወን እናበለ ከኣ፡ “የጋዜጠኛው ማስታወሻ” (መዘክር ጋዜጠኛ) የደራሲው ማስታወሻ (መዘክር ደራሲ) የስደተኛው ማስታወሻ (መዘክር ስደተኛ) ከምኡ’ውን “የጂማላ እናት” (ኣደ ጀሚላ) ዘርእስተን ህቡባት መጻሕፍቲ ኣፍርዩ።

እተን ሰለስተ መዘክራት፡ ኣውራ ድማ እታ ቀዳመይቲ የጋዜጠኛው ማስታወሻ፡ ንዓሌታዊ ፖለቲካ፡ ብልሽውና፡ ምስሉይነት፡ ክሕደትን እከይ ተግባራትን ጃንዳ ወያነ ሕር-ሕራይ ገይረን ዘቃልዓ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንታይነት ስርዓት ወያነ ብልክዕ ክፈልጥ ዝሓገዛ፡ ኣብ ምውዳቕ ናይቲ ስርዓት ኣበርክቶ ዝገበራ መጻሕፍቲ እየን ክበሃል ይክኣል።

ደራሲ ተስፋዬ ድሕሪ ብዙሕ ኰለል፡ ኣብ መጨረሽታ ኣብታ መበቆል ሃገሩ ዝኾነት ኤርትራ ክነብር ብምውሳን፡ ኣብ ኣስመራ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሓበን ዮናስ ኣብ 2010 ቃል-ኪዳን ኣሲሩ፡ ሓዳር መስሪቱ። ስነ-ጽሑፋዊ ስርሑ ብዝለዓለ ደረጃ ብምቕጻል ድማ፡ ናብ ታሪኽ ኤርትራ ኣድሂቡ ክሰርሕ ጀሚሩ። በዚ ድማ፡ ታሪኽን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ግዜ ጣልያን ክሳብ ናጽነት ብወከልቲ ገጸ-ባህርያት እትትርኽ፡ “ማህደር ኑረነቢ” ዘርእስታ ድንቂ መጽሓፍ ጽሒፉ።

ንመጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ” ናብ እንግሊዝኛ ዝተርጐመ ደራሲን ተመራማሪ ታሪኽን ኣለምስገድ ተስፋይ፡ ኣብ መመረቕታ ናይታ መጽሓፍ ከምዚ ክብል ንታሪኻዊ ኣገዳስነት ናይታ መጽሓፍ ኣጉሊሕዎ፦

“ሃይማኖታዊ ባርዀት ዝረኸበ፡ ብድርሳን ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ምሁራን ጽቡቕ ገይሩ እተደርዐ ጽውጽዋያዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዓብለሎ ዞባ፡ ነዚ ድልዱል ሰረት ዘንጸፈ ጽዋ’ዚ ዝብድህ ሓቀኛ ታሪኽ ክትጽሕፍ፡ ንኤርትራውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ዳርጋ ምስ ማዕበል ምቅላስ ኮይኑ’ዩ ዝርኣየኒ። ግን ኣህዛብ ናይ ገዛእ ርእሶም ዛንታ ክጽሑፉ ሰብኣዊ መሰሎም እዩ። ዕድል ኤርትራውያን፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ብዝመርሕኦ ምዕራባዊ ዓለም እምበር ብኤርትራውያን ኣይተወሰነን። ሕሉፍ ታሪኾም ድማ፡ ኣብ ጽዋታት ኢትዮጵያ ትርጉም ብዘለዎ መገዲ ግምት ኣይተዋህቦን። ስለዚ ድማ እቲ ልክዕ ታሪኾም ክነግሩ የድልዮም። ኣነን ተስፋዬን ንማህደር ኑረነቢ ናብ እንግሊዝኛ ክንትርጉማ ዝደለና በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ።”

ህርኩት ጋዜጠኛን ደራሲን ተስፋዬ፡ ምጽሓፍን ምንባብን እምብዛ ዘፍቅሮ ኣካል ህይወቱ’ዩ። ለይቲን መዓልቲን ሓሳቡ ስነ-ጽሑፍ እዩ። ጎኒ ጎኒ መጻሕፍቲ ምፍራይ እውን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መጽሔታትን ዌብሳይታትን ዓንቀጻት የበርክት ነይሩ።

ድሕሪ “ኑረነቢ” ተስፋዬ ካብታ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝተዳለወት “ግፍዒ” ዘርእስታ፡ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ በደላት እትትርኽ መጽሓፍ፡ ኣገደስቲ ዛንታታት መሪጹ፡ “ጃንሆይና ደርግ” ብዝብል ኣርእስቲ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዋ መጽሓፍ ኣሕቲሙ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዒታት ፈሊጡ፡ ካብኡ ትምህርቲ ብምቕሳም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ንቐጻሊ ጥዑይ ዝምድና ዝምስርተሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመት መጽሓፍ ድማ እያ።

ብድሕሪ’ዚ ተስፋዬ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ “የቲራቮሎ ዋሻ” (በዓቲ ቲራቮሎ) ዘርእስታ፡ ኣብ ታሪኽ፡ ባህልን ኣፈ-ታሪኽን ሕብረተሰብ ኤርትራ እተሞርኰሰት መጽሓፍ ጽሒፉ።

ተስፋዬ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ፡ ድርሰቱ ናብ መን ዝቐንዐ ምዃኑ ተሓቲቱ ነይሩ። “ንመንእሰያት ደረስቲ ኣብነት ኮይኖም ከተባብዑ ዝኽእሉ መጻሕፍቲ ካብ ምፍራይ ዝበልጽ ዕላማ የለን” ክብል ድማ መሊሱ። ስለምንታይ ብትግርኛ ዘይትጽሕፍ ዝብል ሕቶ እውን ቀሪብሉ። ተስፋዬ፡ “እንተዝኽእል ኣዝዩ ባህ ምበለኒ። ትግርኛ ምንባብን ምዝራብን እኽእል’የ። ንምጽሓፍ ዝኸውን ምልከት ግን የብለይን። በየናይ ቋንቋ ብዘየገድስ ግን፡ ንኣንበብቲ ዝምስጥ ስራሕ ምፍራይ እዩ እቲ ቁምነገር። ምኽንያቱ ክትርጎም ስለዝኽእል።” ክብል መሊሱ።

ደራሲን ጋዜጠኛን ተስፋዬ ገብርኣብ፡ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ዕድመኡ፡ ኣብ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰፊሕ ተነባብነት ዝረኸባ 9 ብሉጻትን ዓበይቲን መጻሕፍቲ ከፍሪ ዝኸኣለ ደራሲ እዩ። ገለ ካብ መጻሕፍቱ፡ ናብ እንግሊዝኛን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተተርጐማ ኣለዋ። ብርግጽ ድማ ኩሉ መጻሕፍቲ ተስፋዬ፡ ናብ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ኤርትራን ካልእን ተተርጒሙ ክንበብ ዘለዎ እዩ።

ተስፋዬ፡ እዚ ኩሉ ድሕሪ ምፍራይ፡ “ኣብ ዝቕጽል ህይወተይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ዓመት፡ እንተውሓደ ሓንቲ መጽሓፍ ክጽሕፍ’የ” ዝብል ኒሕ ተቐኒቱ ስርሑ ኣየቋረጸን። በዚ ኒሕ’ዚ፡ “ቀይሕ ዘመን” ዘርእስታ መጽሓፍ ወዲኡ ንሕትመት ኣዳልዩዋ ነይሩ። “ፈዳይን” ዘርእስታ ናይ መወዳእታ ኣርትዖት ዝተረፋ መጽሓፍ እውን ኣዳልዩ። እዘን ክልተ መጻሕፍቲ ናብ ኣንበብቲ ክበጽሓ ቀሪቡወን እንከሎ ድማ’ዩ፡ ካብ ትጽቢት ኩሉ ሰብ ወጻኢ ሃንደበት ዓለም ዝቐደመቶ።

ደራሲ ተስፋዬ ገብርኣብ ኣቦ ሰለስተ ውሉዳት እዩ።

ተስፋዬ ገብርኣብ ብስነጥበባዊ ኣበርክቶኡ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ሰብ፡ ሰብኣዊ ባህርያቱ እውን ኣዝዩ ተፈታዊ እዩ። ምስ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ፡ ኣውራ ድማ ምስ ጸሓፍቲን ስነጥበበኛታትን ለዚቡ ናይ ምዕላልን ሓሳብ ናይ ምልውዋጥን ክእለት ዝነበሮ፡ ሕያዋይን ተዋዛዪን ሰብ እዩ ነይሩ።

ሞት ዘይተርፍ ናይ ኩሉ ሰብ ዕጫ እኳ እንተኾነ፡ ናይ ተስፋዬ ክንዲ’ዚ ምቕልጣፉ ንኹሉ ኣሰንቢዱ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ በሊሕን ክኢላን ስነጥበበኛ፣ ብኽብሪ ኣብ እነፋንወሉ ህሞት እምበኣር፣ ዝስምዓና ሓዘን ርዝነቱ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። ሎሚ ንተስፋዬ ጥራይ ኣይኮናን ቀቢርና። ዓሰርተታት መጻሕፍቲ ጸሓይ ከይረኣየ ትሕቲ መሬት ነስፍሮ ስለዘለና፡ ንሓዘንና ዝያዳ የኽብዶ።

ተስፋዬ ገብርኣብ ከምዚ ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ’ዚ ዝተገልጸ፡ ብልዑል ፍቕሪ ስነ-ጽሑፍ፡ ብዘይ ዕረፍቲ ተወፍዩ ብዙሕ ድሕሪ ምፍራይ፡ ኣብ መበል 53 ዕድመኡ ብ24 ታሕሳስ 2021 ኣብ ኬንያ ብሕማም ዓሪፉ። ሎሚ 30 ታሕሳስ 2021 ከኣ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን፡ ማሕበረሰብ ስነጥበብን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ኣስመራ መካነ መቓብር ሓዝ-ሓዝ፡ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ቤተሰቡ፡ ኣብ ዓዱ ገዛ-ሕድሩ ክቕበር ወሲኖም እኳ እንተነበሩ፡ ተስፋዬ ግን ናይ መላእ ህዝቢን ሃገርን ስለዝኾነ፡ ኣብ ኣስመራ ክቕበር ንዝቐረበ ሓሳብ፡ ቤተሰቡ ብምቕባሎም በዚ ኣጋጣሚ ክምስገኑ ይግባእ።

ዕረፍቲ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ክቡር ዜጋ፡ ክኢላ ስነ-ጥበበኛ፡ ንሃገርን ህዝቢን ከምኡ’ውን ንሞያ ስነ-ጽሑፍ ዓቢ ክሳራ እኳ እንተኾነ፡ ተስፋዬ ኣብቲ ዝተዋህቦ ዕምሪ፣ ብምሉእ ዓቕሙ ተጊሁ ብምስራሕ፡ ድንቂን ነባሪን ፍርያት ዝገደፈ ህርኩት ስነጥበበኛ ብምዃኑ፣ ነቲ ብዙሕ ዝዓመመሉን ዘፍረየሉን ጉዕዞ ህይወቱ ብሓበንን ዓቢይ ክብርን ኣድናቖትን እናዘከርና ኢና ንፋነዎ ዘለና።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ብዕረፍቲ ህቡብ ደራሲ ተስፋዬ ገብርኣብ ዝተሰምዖ መሪሕ ሓዘን እናገለጸ፣ ነቶም ኣብ ግዜ ሕማሙ ብዝተፈላለየ መገዲ ደገፎም ዘበርከቱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፈተውቲ ሃገሮም ኤርትራውያን የመስግን። ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን፡ ንስድራቤቱን ፈተውቱን ድማ “ጽንዓት ይሃብኩም! ጽንዓት ይሃበና!” ይብል።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት!

ዓወት ንሓፋሽ!

photos

videos

His legacy

ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ፡ ብዙሓት ዝዋስኡ እኳ እንተኾኑ፡ ብጥዋፍ ክመሰሉ ዝኽእሉ፡ ዘገርም ጥበብ
ዝተዓደሎም ሰባት፡ ካብ ሚልዮናት ኣዝዮም ውሑዳት፡ ብኣጻብዕ ዝቚጸሩ እዮም።
ገና ዕድመ ከይጸገበ፡ ዝያዳ ከፍሪ፡ ኩሉ እናሃረፎን እናተጸበዮን ሃንደበት ዝተፈልየና፡ ህቡብ ደራሲ
ተስፋዬ ገብርኣብ፡ ሓደ ካብ ጥዋፋት ስነ-ጽሑፍ’ዩ ነይሩ። ዝድነቕ ሞያዊ ክእለቱን ኣበርክቶኡን
ብኽብሪን ልዑል ኣድናቖትን እናዘከርና ድማ ንሰናበቶ ኣሎና።

Comments

Shopping cart
Sidebar
Start typing to see products you are looking for.

Sign in

No account yet?